ርኣይ ዛንታ ማቲያስ ማቲያስ ብተደጋጋሚ ኻብ ሓደጋ ኺሃድም ተገዲዱዩ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ቍሩብ ተሪፍዎ ነበረ ፣ ዕጡቓት ጕጅለ ንኣቦኡ ኪቐትልዎ ኸለዉ ዶባት ብሕቡእ ኪሰግሩ ኸለዉ ነጋዶ ድማ ኪሳቐዩ ኸለዉ ርእዩ እዩ ። ማቲየስ ኤርትራዊ ኮይኑ ኣብ ቱኒዝያ ዕቝባ ሓቲቱሎ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ መወዳእታ ኼዕርፍ ተስፋ ይገብር ።
ርኣይ ዛንታ ዓዚዝ ዓዚዝ ካብ ኤርትርያ ናብ ካርቱም ሃደሙ ወጺኡ። ሓዉ ኣብ ሰሃራ ስልዝሞተ ኣብ ካርቱም ክጸንሕ ተገዲዱ። ኣብ መወዳእታ ናብ ሊብያ ጕዕዞ ክገብር ወሲኑ። ብገሊኦም ሰበ፡ ስልጣን ሊብያ ሰለ ዝተታሕዘ ናብ ኤርትርያ ኸም ዚስጐጕ ድማ ኣፈራሪሖሞ። ኣብ መወዳእታ ግና ብUNHCR ናብ ኒዠር ክጋዓዝ ኪኢሉ።
ርኣይ ናጽነትን ሜሮንን : ኣሻቃሊ ጉዕዞ ናጽነትን ሜሮንን ኣብ ሓንቲ ሓንቲ ካፌ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም። ብድሕሪኡውን ሓዳሮም ጌሮምን ሃንቲ ጋል ወሊዶም። ሜሮን ከም መምህር ተቆጺሩ ይሰርሕ ወላካ እንተነበረ፤ ኣታዊኦም እኹል ኣይነበረን። ብድሕሪኡውን ሜሮንን ንኣገልግሎት ውፈር ምስተባህለ ካብ ኤርትራ ክወጹ ወሲኖም።
ርኣይ ዛንታ ኣኽበረት 34 ዓመት ዝዕድመኣ ኣኽበረት ዘናዊ ኣብ ጀርመን እትቕመጥ ኤርትራዊት ስደተኛ እያ። እቲ ብሱዳንን ሊብያን ገይሩ ካብ ኤርትራ ናብ ኤውሮጳ ዝቐጸለ ጕዕዞኣ ብ2012 እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ጕዕዞ ክትሳተፍ መደብ ኣይነበራን፡ ግን ህይወት ኣብ ሱዳን ስለ ዝመረራን ካልኦት ድማ ኪስደዱ ምስ ረኣየትን ንሳውን ክትብገስ ወሲና። ብዛዕባዚ ጕዕዞዚ ከምኡውን ዚስዕቦ ጸገማትን ሰሚዓን ፈሊጣን ነይራ። ይኹንምበር ምስ ተበገሰት እቲ ጸገማት ካብቲ ዝሓሰበቶን ዝተዳለወቶን ንላዕሊ ኾይኑ ረኺባቶ።
ርኣይ ዛንታ ዳኒኤል-ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ ቀሊል ስራሕ ኣይኰነን ዳኒኤል፡ ኣብ 2015 ናብ ሃገረ ሽወደን ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ እዩ። ካብታ ዝኣተወላ ዕለት ኣትሒዙ ድማ ንመረዳድኢ ዝዀኖ ቋንቋ ሽወደን ከይተማህረ ናብ ዝበጽሖ ከምዘይብሉ ብዝግባእ ተገንዚቡ ብዙሓት ስደተኛታት፡ ነዚ መሰረታዊ ክእለት ቋንቋ ዕሽሽ ከይብልዎ፡ ምስቲ ዂሉ ናብ ኤውሮጳ ንምምጻእ ዘሕለፍዎ ከቢድ ጒዕዞን ዝሃለኽዎን ብምርዳእ ምስቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ኣብዛንትኡ ይምዕድ። መሉእ ታሪኹ ንስማዕ።
ርኣይ ዛንታ መሓመድሲዒድ -ጉጉይ ምስሊ መሓመድስዒድ ክልተ ደቁን ሰበይቱን ኣብ ዓዲ ገዲፉ ክስደድ ዝተገደደ ኣብ ኤውሮፓ በጺሑ መታን ክሕግዞምዩ። ከምቶም ካላኦት ብዙሓት ጉዕዝ ኡ ኣብ ሰሃራ ሊብያ ከም ኡውን ኣብ ሜዲትራን ያን ካብ ኣፍ ሞት ብምውጻእ ብዙሕ ጭውያታት፣ሞት ብጽም ኢ ማይን ካብ መካይን ዝጸደፉ ሰባት ሓጋዚ ዘይብሎም ገዲፍካ ምኻድን ተዓዚቡ።
ርኣይ ታሪኽ እዮብ-ፍርሕን ጭንቐትን እዮብ ከም ኩሎም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዚቕመጡ ኤርትራውያን፡ ንሱ ድማ ብወገኑ ናብ ኤውሮጳ ዚብገሱን ዚዕወቱን ገንዘብ ናብ ስድራቤቶምን ናብቶም ኣብ ካምፕ ዘለዉ ብጾቶምን ዚልእኩ ሰባት ርእዩ። ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተዉ ዚረኽቡዎ ናይ ዓወቶም ስእልታት ኣብ ኩሉ መራኸቢ ብዙሃን ብብዝሒ ይረአ ነይሩ፡ ይኹንምበር፡ ነቲ ሓቅነት ብምሕባእ ከም ዘህርፍ ኮይኑ ኢዩ ዚቐርብ ነይሩ። ነቲ ስእልታትን፡ እቶም ጎረባብቱ ናይቶም ናብ ኤውሮጳ ብምኻድ ዝተዓወቱ ዝሰደዱዎ ገንዘብ ኪቕበሉ ኸለዉ ብዓይኑ ምስ ረኣየ ንሱውን ንወጻኢ ኪኸይድ ወሲኑ።