Search

ሃጸርቲ ዛንታታት-

ኣብ ኤርትራ ቤትምህርቲ ንኽመሃር ብእግረይ ናብ ርሕቕ ዝበለት ዓዲ ይኸይድ ኔረ። ምዕባይ ሓወይ ንነዊሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሰለዝገበረ ንስድራና ከኣልዮም ተገዲደ። ንስድራና ኣብ ምእላይ ነዊሕ ግዜ የወስደለይ ሰለዝነበረውን፤ትምህርቲ ክነፍዕ ኣይከኣልኩን። ኣብ ፲ ክፍሊ ድማ ተሪፈ። ካልኣይ ግዜ ክደግም ስለዘይከኣልኩውን ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት መጸዋዕታ ብተደጋጋሚ ስለዝመጻኒ ፈሪሐ ካብ ኤርትራ ንኽወጽእ ተገዲደ።

ኣብመወዳእታ ብሓገዝ ደላሎን ሰምሰርቲ ቡዙሕ ሰልዲ ከፊለ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መገዲ ወጺአ። ናብ ሱዳን ክሳብ ንበጽሕ 6 መዓልታት ወሲድለይ። ካብ ኤርትራ ምስወጻኹ ቐልጢፈ ናብ ኤውሮጳ ኣትዬ ስድራይ ክሕግዝ ዝኽእል መሲሉኒ ኔሩ።እዚ ግን ክኸውን ኣይከኣለን ምኽን ያቱ መገዲ ሊብያ እንዳኸፈኣ መጺዩ፤ሰልድውን ዝሰደለይ ስድራ ኣይረኸብኩን። ጥዕናይውን ጽቡቅ ሰለዘየሎ ኣብ ሱዳን ካምፕ ክነብር ይኹን ጉዕዞ ክቅጽል ኣይከኣልኩን።

Eritrean refugee in Shagarab Sudan

ሱዳን ካብዝኣትው ገና ሓደ ወርሒ ኮይኑኒ። ኣብ ኢድ ሰምሰርቲ ዘሕለፍክዎ ስቃይን መከራን ጥምየትን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ካብ ኢድ ሰምሰርቲ ንኽወጽእ ስድራይ ኣሻሓትዮ’ም ከፊሎም።ኣብ ጉዕዞና 3 ኣዋልድን 2 ኣወዳትና ኔርና። ዶብ ሱዳን ንምብጻሕ ከባቢ 3 መዓልቲ ወሲዱልና። ስደተኛታት መብዛሕቱ እዋን ኣብዶባት ግዳያት ሰምሰርቲዮም ዝኾኑ።

ካብ ኤርትራ ምስወጻኩ ከምድልየተይ ዝንቀሳቀስን ዝሰርሕንዩ’ መሲሉኒ ኔሩ። እቲ ክውንነት ግን ካልእዩ ኮይኑ።ክሳብ ሎሚ ኣብ መዓስከር ሱዳንየ ዘለኹ። ንነዊሕ እዋናት ኣብ መዓስከር ዝጸንሑን ክሰርሑ ዘይክእሉ  ሰባት ክርእይ ከለኹ ናይ በሓቂ ዩ ዘተሓሳስበኒን ጭንቀት ይፈጥረለይ። ኩሉ ነገራት ካብትጽቢተይ ንላዕሊ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ረኺበዮ። ሙሉእ ህይወተይ ኣብ ካምፕ ከሕልፎ ፈቓደኛ ኣይኮንኩን። ኣብዚ ካብዝነብር ናብ ኤውሮጳ ክኸይድ እንዳፈተንኩ ክመውት የመርጽ።

 

ይብል መንእሰይ ኤርትራዊ።

Eritrean refugee in Shagarab, Sudan